መለጠፊ-ገጽ (ወብሳይት) ንግዳይን ምስክርን ወይድማ ግዳይ ወይ ምስክር ናይ ጥሕሰት ኣህግራዊ ገበናዊ ሕጊ ዝኾነ ሰብ።
ግዳይ ወይድማ ምስክር ገበን ውግእን ጃምላዊ ቕትለትን ወይ ገበን ደቂ-ሰባት ዲኺ/ኻ፧ ንኣብነት እዚ ዝስዕብ ኣጋጢሙኪ/ካ ወይ ርእኺዮ/ኻዮ ትፈልጢ/ጥ፥
- ኣካላውን ስነ-ኣእሙራውን ወይድማ ኣካላዊ ወይ ስነ-ኣእሙራዊ ዘስዕብ ናይ ምግፋዕ ተግባር ብኣባላት ሰራዊት ተፈጺሙ (ከምኡ'ውን ብተወሳኺ ምስቓይ: ምጭዋይ: ምብራር: ምዕማጽ: ምዝራፍ: ምጥቃም ስነ-ነፋሳዊ ወይ ቀመማዊ ኣጽዋራት ወይውን ነቶግቲ) ፣
- ናብ ሰለማዊ ህዝቢ ዘቶኮረ መጥቃዕቲ (ኣካላዊ ሞቕሰልትን ሞትን ዘስዓበ)፣
- መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ንብረት ሰላማውያን ሰባት (ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ኣምቡላንሳትን ሆስፒላትን ባህላዊ-ቕርስታትን ቤት-ትምህርትታትን ሃይሞኖታዊ ህንጻታትን)፣
- ምግፋዕ ነቶም መሳርያኦም ዘውረዱ ኣባላት ሰራዊት፣n
ነዚ ሓበሬታ እዚ ኸም መርትዖ ጌርኪ/ካ ንፖሊስ ስዊዘርላንድ ክትህቢዮም/ቦም ፍቓደንያ እንተ ኾንኪ/ካ በጃኺ/ኻ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሲ ሃብሉ/በሉ፦
ዝርዝር እቲ ግዳይ / ምስክር:
ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ዚገልጽ ሓበሬታ:
እቲ ተግባራት (ኹነታት) ዝተፈጸመሉ ሃገር ወይ ሃገራት(ኣህጉር)፣ ተግባራት ዝተፈጸመሉ ከተማ ወይ ከባቢ(ቦታ)፣ እድራሻ፣ ስም ጎደና፣ ወይ ብግምት እቲ ከባቢ ኣቕርቢ/ብ። በጃኺ/ኻ ብዝተኻእለኪ/ካ መጠን ርጉጽ(ንጹር) ሓበረታ ሃቢ/ሃብ።
ስለቲ ዝገበርክዮ/ካዮ ጠቓሚ ሓገዝ ነመስግነኪ/ካ።